https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14773
ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ንቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ብግልፂ ጨረታ ካብ ሕጋዊያን መቅረብቲ አወዳዲሩ ዉዕሊ ብምእሳር ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 7, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 19, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሰነ 19, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 ብንግዲ ዘፈርኩም ቫት ወይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝግበቲ ዝኮንኩም ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም

2 ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገብክምሎም መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ወርሒ ሚያዚያ 2016 ዓም ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ጨረታ መከበሪ ንሐደ ቢድቦንድ 15000 / ዓሰረተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ / ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ካብዚ ጨረታ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ንበረት ምምሕዳርን ቁፅሪ 8 መፂእኩም ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ

6 እዚ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ 5/10/2016 ዓም ክሳብ 19/10/2016 ዓም እንትከዉን ዕለት 19/10/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344416570  / 0945825857 /  0914748486