https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14759
ንማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ንብረት ማለት ናይ ፅ/መሳርሒ ናይ መኪና ስፔር ፣ ናይ ማይ ኣቁሑት፣ ናይ ኤሌትሪክ ኣቁሑትን ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 5, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 7, 2016 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሰነ 10, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/

ቁፅሪ ዕ/ፋ/ንብ/ም/ርን/942 /16 

ዕለት 03/10/2016 ዓ/ም

ፕሮፎርማ ጨረታ ቁ/04/16

ንማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ንብረት ማለት ናይ ፅ/መሳርሒ ናይ መኪና ስፔር ፣ ናይ ማይ ኣቁሑት፣ ናይ ኤሌትሪክ ኣቁሑትን ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ 

ንዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2. ምስቲ ንግዲ ፍቓድ ዝመሳሰል ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ ሰርተፊኬት ዘለኩም።

3. ናይ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዝሓዝኩም።

4. ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም እቲ ዝሳዓርኩምዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 01ዶ መዓልቲ ዝድለ ንብረት ክተረክቡ ትኽእሉ።

5. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብሽምዓ ዝተዓሸገ ኢንፈሎም/ፖስታ/ ንማይጨው ፓሊ ቴክኒክ ሕርሻ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ካብ ዕለት 05/10/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 07/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 11.00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

6. ፕሮፈርማ ዕለት 10/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ተኣሸጉ ኣብቲ ዕለት 3፡30 /ይኸፈት፡፡ ስለዚ ኣብቲ ዝተገለፀ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ስለዝኸፈት መፂእም ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

7. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከምውዕሊ ኮይኑ ከምዘገልግል ክፈልጥዎ ይግባእ ።

8. ኮሌጅና ነቲ ፕሮፈርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347770388 ደዊሎም ክሓቱ ይኸእሉ ።