https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14687
ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ናይ ትካልና ሽፌራት ዝዉዕል ኮቦርታ፣ አንሰላ ችፑድን ፍርናሽን ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 28, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 30, 2016 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሰነ 3, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/ ፍርናሽ ትርኣስን ተዛመድትን /

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ -29-

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ናይ ትካልና ሽፌራት ዝዉዕል ኮቦርታ፣ አንሰላ ችፑድን ፍርናሽን ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

• ናይ 2016ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኩም።

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 28/9/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 30/9/2016ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 03/10/2016ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን።

• ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስ አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ። አብዚ ፕሮፎርማ መማረፂ ንብረት ምቅማጥ አይፍቀድን

• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

• ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ አማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ::

ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካኣል።