https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14649
ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንብረታት ናይ እስቲድዩ ኣቅሑት: ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ናይ ስቲድዩ ኮንስትራክሽን ምስራሕን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጉንበት 24, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 3, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:100000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሰነ 3, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መሳሪሕታት ቴሌኮሙኒኬሽን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

1 ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን

2 ናይ ወርሒ መጋቢት ሚያዚያን 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክሊር ዝገበርሉ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ዉሕስና ጨረታ 100, 000.00 / ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ / ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተዉሃበ ዝተረጋፀ ቼክ ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 22 ጉንበት  2016 ዓም ክሳብ 3 ሰነ 2016 ዓም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ  ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ዝርከብ ቢሮ ቁፅሪ 308 ደኩመንት ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ቴክኒካልን መሊእኩም ብሽምዒ ብዝተዓሸ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ክተቅርቡ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋሐወሉ 22 ጉንበት 2016 ዓም ጀሚሩ ን 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብምፅናሕ 3 ሰነ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ አብ 4 ደብሪ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 404 ይክፈት

7 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344410544 ወይድማ 0344410546