https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14541
ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዪ ናይ ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ናይ መኪና ባትሪ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእን ከስርሕን ስለ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 13, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 15, 2016 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 16, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዪ ናይ ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ናይ መኪና ባትሪ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእን ከስርሕን ስለ ዝደለየ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዪ ነጋዶ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መሰፈርት ክተማልኡ ትክእሉ ማለት

1) ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ብቲ ዘርፊ ዘለኩም ፡ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪን

2) አብ ናይ መንግስቲ ንምውድዳር መቅራባይነት ሰርትፊኬት ዘለኩም::

3) ተወዳደርቲ ናይ ትካልኩም ማህተምን ፈርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ንኤጅንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሞያ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ምምሕዳርን ካብ ዕለት 13/09/2016 - 15/09/2016 ዓ/ም ናይ ምሸት ስዓት 11፡30 ናይ ስራሕ ስዓት አብ ዘሎ ግዜ ክተቅርቡ ትክእሉ::

4) ፕሮፍርማ ዕለት 16/09/2016 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ስዓት 3፡30 ስለ ዝክፈት መፂኩም ክትሳተፋ ትክእሉ ምካንኩም ነፍልጥ::

5) ቫት ዝተመዝገብኩም ዊዝ ሆልዲንግን 2%ን ቫትን 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቆሪፁ ዝተርፍ ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ::

6) ኤጀንስና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ፕሮፎርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

7) እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል::

8) እቲ ዝርዝር አቁሑ መፂእካ ምውሳድ ይከአል

ኣድራሻና ኣብ 17 ቀበሌ ዕዳጋ ብዕራይ ጥቃ እንዳገብሪኤል ቤተክርስትያን:: Tel: 0342415092