https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14430
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዌብሳይትን ሎጎን ከስርሕ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 1, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 12, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 12, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ግራፊክስ ዲዛይን/ ዌብሳይትን ሶፍትዌርን ምምዕባል/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዌብሳይትን ሎጎን ከስርሕ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ነገራት

1. ናይ 2016 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ VAT ተመዝጋቢ ዝኾነ፣ ቫት ዲክሌር ዝገበረን ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ዘቕርብ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 30/08/2016ዓ.ም ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይካኣል።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብሲፒኦ/CPO/ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል /ትኽእል/፡፡

4. እቲ ጨረታ ዕለት 30/08/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 12/09/2016 ስዓት 3፡00 ይዕፀዉ። ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 አብ ቅድሚት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኽፈት ፡፡

5. ንሎጎ ኣብ ውሽጢ 15 ንዌብሳይት ድማ ኣብ ውሽጢ 40 ተኸታተልቲ መዓልቲ ሰሪሑ ክውድእ ዝክእል።

6. እቲ ጨረታ ብፋይናንሻልን ቴክኒካልን መዳይ ስለዝርኣይ ብክልቲኡ ፈላሊኹም ክተቅርቡ ንሕብር። ነጥቢ 80% ቴክኒካል እንትሕዝ 20% ድማ ፋይናልሻል ይኸውን።

7. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8. ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።

9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶ ደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።