https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14395
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ንኣብያተ ዕዩ አገልግሎት ዝዉዕል ጫቁቲ ደርሆ ዘርኢ ሳሶ ወይ ቦቫንስ ብራዉን ዝኮነ : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ፈልሲ ቡን : ዝተዳቀለ ፈልሲ ማንጎን : ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 22, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 2, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢዘርፉ ዝተፈላለየ እዩ
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 2, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ሕርሻ ጥረ ኣቁሑትን ኣቅርቦትን/ ሕርሻ መሺነሪ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም ናይ 2016 ዓም በቢ ዘፈሩ ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩምን

2 መረዳእታ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ዘቅርቡ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎም

4 ኣብ መቀረባይት ዝተመዝገብኩም በቢዘፈረኩም ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ንኩሎም ፈቃዳት ዋና ምስ ቅዳሕ መረዳእታ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

6 ዝተማለአ ሰነድ መቅረቢ ዋጋ ሐደ ዋና ሐደ ቅዳሕ ጠቅላላ ክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል

7 መከበሪ ጨረታ ንጫቁት ደርሆ 10000 : ንናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ  ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል:  መከበሪ ጨረታ ንፈለሲ ቡን ዝተዳቀለ ፈለሲ ማንጎን 10000 : ንዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻ ኣቀሑት ድማ 6000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል

8 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንጫቁቲ ደርሆ:  ፈልሲ ቡን : ዝተዳቀለ ፈለሲ ማንጎን : ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻ ኣቅሑት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰላም ሃፍቶም ማይ ኣድራሻ ዓዲግዳድ በለስ ቀላቅለን ከረክብ ዝክእል

9 ንዝተፈላለዩ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ከረክብ ዝክእል

10 ዕድጋ ፈፃሚ ኣካል ምስ ናይ ቤት ፅሕፈታት በጀት መሰረት ብምግባር 20 ሚእታዊ ካብ በዝሒ መጠን ዝተዘዘ ንብረት ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ

11 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ጫቁት ደርሆ ዘርኢ ሳሶ ወይ ቦቫንስ ብራዉን ዝኮና ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፈልሲ ቡን ዝተዳቀ ለ ፈለሲ ማንጎን ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻ ኣቅሑት ኣጫሪትና ክንዕድግ ንደሊ ንሕድሕድ ዘይምለስ 200 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ 19/8/2016 ዓም ክሳብ 2/9/2016 ዓም እንዳመፃእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

12 ፖስታ ናይቲ ጨረታ ናይ ጫቁትደርሆን ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ካብ 2/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከለቶም ተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተአጎጎልን

13 ጨረታ ፈልሱ ቡን ዝተዳቀለ ፈልሲ ማንጎ ዝተፈላለየ ናዉቲ ሕርሻ ኣቅሑትን 2/9/2016 ዓም ሰዓት 9:00 ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከለቶም ተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተአጎጎልን

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342440307