https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14368
ቤት ህንፀት መቐለ ካብ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ዝኽፈል ንናይ ኤለክትሪክ መሳርሒ ንብረት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 18, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሚያዝያ 21, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሚያዝያ 21, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ቁቁፅሪ322.01/2016ዓ/ም

ዕለት17/08/2016ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ

ቤት ህንፀት መቐለ ካብ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ዝኽፈል ንናይ ኤለክትሪክ መሳርሒ ንብረት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ታ.ቁዓይነት ንብረትመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠ/ላ ዋጋመብርሂ
ብርሳብርሳ
1ናይ ባዉዛ ኣንፑል 250 ዋት ኦርጅናልቁፅሪ50
2ኣንፑል 15 ዋት ኦርጅናልቁፅሪ50
3ሶኬት ናይ ግድግዳ R and Sቁፅሪ100
4ኣቃፊ ኣንፑል ኦርጅናልቁፅሪ25

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1/ በዚ ስራሕ ዘርፊ እዚ ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን ቲን መፍለዪ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝኸእልን ከምኡ ድማ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ኮፒ ከቕርቡ አለዎም

2/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ሓደ ዋጋ ብምምላእን ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብ ዋጋ ናይ ጨረታ መምልኢ ተመሊኡ ክቐርብ ኣለዎ ካብቲ ናይ መስራቤት ዘቕረቦ ጠለብ ወፃኢ ካሊእ ናይ ባዕልኻ መብርሂ ገይርካ ምፅሓፍ ተቐባልነት የብሉን

3/እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 17/08/2016ዓ/ም ክሳብ 21/08/2016ዓ/ም ሳዓት 3.30 ፀኒሑ ሳዓት 4፡00 ይኸፈት ድሕሪ ጨረታ ምኸፋቱ ዝተመለአ ዋጋ ን7 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

4/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ እቲ ንብ ረት ኣብ ዉሽጢ ሓፂር ማዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ንቤት ህንፀት መቐለ ምስ ኣረከበ ካብ ጠቕላላ ዋጋ ዝሰዓሮ ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10.000ብር እንተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝኸፍል ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ

5/ ካብዚ ንክዕደግ ዝተዳለወ በዝሒ ንብረት ካብ ነፀላ 20% ክዉስኸ ወይ ክቅንስ ይኸእል እዩ

6/ መስራቤትና ዘሐሽ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ኮይኑ እዚ ጨረታ ከም ዉዕል ኮይኑ የገልግል

7/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0942659419/0914120805 ምሕታት ይከኣል

ቤት ህንፀት መቐለ