https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14261
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ኣቑሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 3, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 10, 2016 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:6,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 10, 2016 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ኣቑሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ንምዕዳግ ድልየት ዘለኩም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተወዳደርቲ ናብ ትካልና ብኣካል ብምምፃእ ዝወዳደርዎ ዓይነት ንብረት ብዓይኖም ክርእይዎ

ይግባእ፣

2. ናይ ሕድ ሕድ ንብረት ነፀላ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወ ሰደቓ ክምላእ ኣለዎ፣

3. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 6,000.00 (ብር ሽዱሽተ ሺሕ) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

4. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ሒሳቡ ብምኽፋል ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ካብ ቐፅሪ ቤት ፅሕፈትና ክወስድ ዝኽእል፣

5. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 100.00 ብምዃፋል ምውሳድ ይኸእሉ፣

6. ትካልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

7. እዚ ጨረታ ዕለት 10/08/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ትካልና ኬዝ ቲም ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን (ቢሮ ቑፅሪ 135) ኩሎም ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት።