https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14194
ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ናይ ቴክኒክ መሳርሒታት ናይ መኪና ጎማን ቼርክዩን ንምዕዳግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 25, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 4, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:100000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሚያዝያ 4, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 ቪድዩ ካፕቸር ኢንድ ኢንተርፊስ ካርድ በዝሒ ክልተ /2/ :  2 ኦዲዩ ኬብል 100 ሜ በዝሒ ሰለስተ /3/ :  3 ቪድዩ ኬብል 100 ሜ በዝሒ ሰለስተ / 3 /: 4 ቢምስ ኮኔክተር ወይ እዉን ሜል ፓክጅ ሓምሳ በዝሒ ክልተ /2/ : 5 ኤቪኣር ማለት እዉን ኣዉቶማቲክ ቮልቴጅ ሪጉሬተር ሲስተም በዝሒ ሐደ /1/ : ናይ መኪና ጎማን ቸርክዩን ባትሪን

1 ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን :  ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን

2 ናይ ወርሒ ጥሪ ጥሪን 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክሊር ዝገበርሉ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ዉሕስና ጨረታ 100, 000.00 / ሐደ ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ / ብምልክዕ ስፒኦ ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተዉሃበ ዝተረጋፀ ቼክ ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 24 መጋቢት  2016 ዓም ክሳብ 4 ሚያዚያ 2016 ዓም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 308 ደኩመንት ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ቴክኒካልን መሊእኩም ብሽምዒ ብዝተዓሸ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ክተቅርቡ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋሐወሉ 24 መጋቢት 2016 ዓም ጀሚሩ ን 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብምፅናሕ 4 ሚያዝያ  2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ አብ 4 ፎቅ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 404 ይክፈት

7 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344410545 ወይድማ 0344410546