https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14189
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ኣፅቢ ካብ PSNP-5 ሰፍትኔት ብዝተረከበ ባጀት ንፅሕፈት መሳርሒ ኢንዳስተርያል ማተርያል ስፔር መቀያየሪ ኣቁሑት ሞ/ሳይክልን ውፅኢት መዓድን ብፕሪፎርማ /Shoping/ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 24, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 2, 2016 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ናይ ጨረታ ቦንድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሎት ዝተፈላለየ እዩ።
  • ቦታ:ዓ/ዓዲ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 2, 2016 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ዕለት24/07/2016ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ኣፅቢ ካብ PSNP-5 ሰፍትኔት ብዝተረከበ ባጀት ንፅሕፈት መሳርሒ ኢንዳስተርያል ማተርያል ስፔር መቀያየሪ ኣቁሑት ሞ/ሳይክልን ውፅኢት መዓድን ብፕሪፎርማ /Shopping/ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ነጥብታት

1. ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ÷ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ካርዲ መቅረባይነት ዘለኩም

2. ንውፅኢት መዓድን ዝወዳደሩ ቫት ምዝጉባት ዝኮኑን ናይ ወርሒ ጥሪ 2016ዓ/ም ዲክለር ዝገበሩሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእለ

3. ተጫረቲ ንመክበሪ ጭረታ ፅ/መሳርሒ 2000 ብር፣ ንኢንዳስተርያል ማተርያል 2000ብር ንውፅኢት መዓድን 10000 ብር ንመቀያየሪ ኣቁሑት ሞ/ሳይክል 2000-ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ መክበሪ ጭረታ ከትሕዙ ዝክእሉ

4. ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ኮይኑ ናይ ሰነድ ብነፃ ምውሳድ ይክእሉ

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ መዓልቲ 30 መዓልቲ ይኸውን

6. ዝሰዓሩ ተጫረቲ ፅሕፈት መሳርሒ ስፔር መቀያየሪ ኣቁሑት ሞ/ሳይክል ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ወረዳ ኣፅቢ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ

7. ንውፅኢት መዓድንን ኢንዳስተርያል ማተርያል ናብ ዝተጠቀሰ መራገፊ ቦታ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወሲዱ ከራግፍ ዝክእል እዋን

8. ተወዳዳሪ ስዓራይ ዝኸውን ኣይተም ብኣይተም ዘሸነፈ እዩ

9. ፕሪፎርማ /Shopping/ ጭረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ ዕለት 24/07/2016 ክሳብ ዕለት 1/08/2016 ዓም ኮይኑ ጭረታ ዕለት 02/08/2016 ዓም ሰዓት 5፡00 ተዓሽጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት5፡30 ይክፈት

10. ተጨረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ደኩሜንት ሽሞም ፣ ኣድራሽኦም፣ ፊርመኦምን ማህተምን ክዓፍሉ ይግባእ 11.ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ደኩመንት ስርዝድልዝ ዘይብሉ ክከውን ኣለዎ

12. ጭረታ ብዝተፈላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ እቲ ቤትፅሕፈት ካብ ጭረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሓዝዎ ትሕጃ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ብምግባር ንቀፃሊ ንከይሳተፉ ይገብር

13. ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ከመኡ አውን ዝተማለአ ደኩምንት ኣብ ዘቅርብሉ ይክፈት

14. ተጫረቲ ድሕሪ ጨረታ ሳጥን ምክፋቱ ኣይጫረትን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን

15. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ደኩመንት ኦርጅናልን ፎተኮፕን ነኒበይኑ ዓሽጎም ኦርጅናልን ኮፕን ተባሂሉ ኣብዝባኑ ይፃሓፍ

16. ቤትፅሕፈትና ካልእ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።