https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14180
ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ት.እ.ም.ት ንቤት ፅሕፈቱ ግልጋሎት ዝውዕሉ ኮምፑዩተራትን ፕሪንተራትን ኣወዳዲሩ ብጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 26, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 16, 2016 06:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 16, 2016 08:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ት.እ.ም.ት ንቤት ፅሕፈቱ ግልጋሎት ዝውዕሉ ኮምፑዩተራትን ፕሪንተራትን ኣወዳዲሩ ብጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ናይ ቫትን ተርን ኦቨር ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾንኩምን ናይ ኤሌክትሮኒክስን ተዛመድቲ ኣቑሑትን ንምቕራብ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ናይቲ ዝድለ ዓይነት ኮምፑዩተራትን ፕሪንተራትን ዝርዝር መግለፂ/ስፔስፊኬሽን ዝሓዘ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200.00 ብምኸፋል ካብ ዕለት 26 መጋቢት 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ተኸታተልቲ 20 መዓልቲታት ካብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ እስካብ 16 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ሰዓት 6፡00 ናይ ቐትሪ ክትውዳደሩ ንዕድም፡፡

መቐለ ክ/ከተማ ሓድነት ኣብ ዝርከብ

ት.እ.ም.ት ጉና ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 112

ስ.ቑፅሪ 0342409723/ 0914001514