https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14096
ንማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ንብረት ማለት ናይ መኪና ስፔር ፣ ናይ ማይ ኣቁሑት፣ ናይ ኤሌትሪክ ኣቁሑትን ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 16, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 19, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መጋቢት 19, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/

ፕሮፎርማ ጨረታ ቁ/04/16

ንማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ንብረት ማለት ናይ መኪና ስፔር ፣ ናይ ማይ ኣቁሑት፣ ናይ ኤሌትሪክ ኣቁሑትን ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኸእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በተ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2. ምስቲ ንግዲ ፍቓድ ዝመሳሰል ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ ሰርተፊኬት ዘለኩም።

3. ናይ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዝሓዝኩም።

4. ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም እቲ ዝሳዓርኩምዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 01 መዓልቲ ዝድለ ንብረት ክተረክቡ ትኸእሉ።

5. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብሽምዓ ዝተዓሸገ ኢንፈሎም/ፖስታ ንማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ፣ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ካብ ዕለት 16/07/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 18/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 11.00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክተቕርቡ እትኸእሉ።

6. ፕሮፈርማ ዕለት 19/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡00  ተኣሸጉ ኣብቲ ዕለት 4፡00 /ይኸፈት፡፡ ስለዚ ኣብቲ ዝተገለፀ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ስለዝኸፈት መፂእም ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

7. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከምውዕሊ ኮይኑ ከምዘገልግል ክፈልጥዎ ይግባእ ።

8. ኮሌጅና ነቲ ፕሮፈርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራገ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347770388 ደዊሎም ክሓቱ ይኸእሉ ።