https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13980
ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ን2016 ዓም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕሉ መብሰልን :ዓተር ክክዕ ቦበርታ አንሶላ ተዛመድቲ ኣቅሑት :ላስቲክ :ናይ መሽነሪ መለዋወጢ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 2, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 16, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 16, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኣቅርቦት ምግቢ / ዕድጊት ኸቢደ መሺን/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ሎት 1 ዓተር ክክዕ (ብቢሮ ዝቐርብ ሳምፕል መሰረት) ጥሪ ስርናይ : ዘይትን ሽኮርን  : ሎት 2 ኮበርታ : ኣንሶላን ተዛምድቲ ኣቅሑት  ሎት 3 ላስቲክ  ሎት  4 ናይ መሽነሪ መለዋወጢ

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

2 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምካንኩም መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰርተፊኬት ( ቲን) ናይ መቅረባይነት ፈቃድይዕድም

4 ብምካኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር መምርሒ ዝሐዘ ሰነድ ንሕድሕድ ብር 200 ብምክፋል ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት  ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እዚ ጨረታ ፃዉዒት ካብ ዝተገበረሉ ዕለት 2/7/2016 ዓም ክሳብ 16/7/2016 ዓም ሰነድ ጨረታ ብምግዛእ በቲ ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ  ክተእትዉ ከም እትክእሉ ይገልፅ እዚ ጨረታ መጋቢት 14/2016 ዓም ረፋድ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ረፋድ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቲ ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

5 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

መተሐሳሳቢ ሐደ ተጫራታይ በዓል ዋና ወይ ተወካሊ መካኑ ዘርእይ መረዳእታ ብምሓዝ ንሐደ ሎት ሐደ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ይዕደግ

ንተወሳኪ ሐበሬታ   0344 408912  / 0914008595  / 0920426802