https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13842
ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ማይጨዉ ኣብ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ማይጨዉ ቀፅሪ ዉሽጢ ዝረከብ ባህርዛፍ ማለት እዉን ማእገር :ወራጅ: ዝፍለፅ ወይ ዝጭደድ ብጨረታ አወዳዲሩ ንተጫረቲ ክሸይጥ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 7, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 20, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ የካቲት 20, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ አብ ዉሽጢ 60 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ቆሪፂ ከልዕል ዝክእል

2 እቲ ንብረት እስካብ ዘልዕል ናይ ባዕሉ ዋርዲያ ክገብዝር ዝክእል ማለት ኣብ ዝጠፍን ብረት እቲ ቤት ፅሕፈትተጠያቂ ዘይምካኑ

3 ሰዓራይ ምስተነገሮ ካብ ባህርዛፍ ወፃኢ ካልኦት ተክልታት ምቁራፅ ዘይከኣልን ኣብ ካልኦት ተክልታት ጉድኣት ከይበፅሖም ምክልካል ግዴታ ምካኑ

4 ኣብ ዝተጠቀመጠ ግዜ ገደብ ዘይወሰደ ተጫራታይ እቲ ዝሰዓሮ ባህረዛፍ ይዉረስ

5 ተጫረቲ ትጫረትሉ ሰነድ ጨረታ ኣብ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምዕሻግ ኣብ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ማይጨዉ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይክኣል

6 እቲ ጨረታ ካብ 6/6/2016 ዓም ክሳብ 20/6/2016 ዓም ኣብ አይር ዉዕሊ ዕለት 20/6/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ንጨረታ መክበሪ 20000/ ዒስራ ሽሕ ቅርሺ / ብስፒኦ ጥራይ ኣቀዲሙ ከትሕዝ ዝክእል

8 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ፖሊ ቴክኒክ ማይጨዉ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብነፃ ምዉሳድ ይከኣል

9 ዉዕሊ ኣሲሩ ዝሰዓሮ ጠቅላላ መጠን ገንዘብ ብቀዳምነት ናይ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ማይጨዉ ባንኪ ሒሳብ ኣታዊ ምስገበረ ተጫሪቱ ዝሰዓሮ ንብረት ምዉሳድ ይክእል

10 መክበሪ ዉዕሊ ዘይትሓዘን ዉዕሊ ዘይኣሰርን መክበሪ ጨረታ ኣይልቀቀሉን

11 ዉዕሊ ንምእሳር ፈቃደኛ ዘይኮነ ተጫራታይ ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ይዉረስ

12 ተጫሪቲ ዝመልእዎ መወዳደሪ መጠን ትሕቲ መበገሲ ዋጋ ናይቲ ኮሌጅ እንተኮይኑ እቲ ዉድድር ይስረዝ

13 ኮሌጅና እቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347770028