https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13745
ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን2016 ዓም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ብርክት ዝበሉ ኤሌክትሮኒክስ ቀወምቲ ኣቅሑትን ናይ ሶፍትዉር ምህንፃ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 23, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 7, 2016 07:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢዘርፉ ዝተፈላለየ እዩ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ የካቲት 7, 2016 08:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ዕዲጊት ሶፍትዌር/ ዌብሳይትን ሶፍትዌርን ምምዕባል/

1 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

2 ተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም መለለይ ከፈላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ ምካኖም ናይ ሕዳር 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝከፈልሉ ዲክላሬሽን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይ መክበሪ ጨረታ ፕሪንተራት ማለት ድማ ናይ ሕትመት ማሽን 7000 ቅርሺ ንሶፍትዌር ምህንፃ 5000 ቅርሺ ክትሕዝ ይግባእ

4 ን ዝተዳለወ ናይ ተጫረታ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለሰ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 4 / 5 ብምዉሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ  ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምድላዉ እዚ ምልክታ ከብ ዝተጋወሐሉ 23/5/2016 ዓም ከሳብ 7/6/2016 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብምእታዉ ክትወዳደሩ ትክእሉ

5 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ 7/6/2016 ዓም ሰዓት 7:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ 7/6/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይክፈት

6 በዓል መዚ እቶት ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ተጫረቲ ሕድሕድ ዝምላ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታስክ ዝሐወሰ ክክዉን አለዎ

8 ተጫረቲ ንፕሪንተራት ማለት ድማ ናይ ሕትመት ማሽን ኣብ ሐደ ፖስታ ንሶፍትዌር ምህናፅ ፋይናሽሻልን ቴክኒካልን ነንበይኑ ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ይግባእ

9 ንሶፍትዌር ምህናፅ ዝዉሰድ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ ኮይኑ ዘሸነፈ ኣካል ድማ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ወርሒ ወይድማ ኣበ ቴስዓ መዓልቲ ሰሪሑ ዘረክብ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁጽሪ ስልኪ 0344401875

ኣደራሻና ዓዲሓቂ ህንፃ ማሕበር ጉዳእተ ኩናት ህንፃ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 4/5 ጥቃ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ