https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1370
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ሴክተር ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፣አቁሑት ፅሬት ካልኦት ሀለቅቲ ንብረታትን ፣አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ፣ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቁሑት ፣ስራሕቲ ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 7, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 21, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ሮብ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መጋቢት 21, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

  ካብዚ ቀፂሎም ዝዝርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶን ትካላትን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈለን ክከዉን ኣለዎ
  2. Â ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣ ካርዲ መቅረባይነት ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን ካልኦት ዘድሉ መረዳእታን ቅዳሕ ከቅርቡ ዝኸእሉ
  3. Â ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎም
  4. Â እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 6 መጋቢት 2008 ዓምÂ ጀሚሩ ክሳብ 21 መጋቢት 2008 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነደ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ምእታዉ ይከኣል
  5. Â መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንመለዋወጢ አቁሑት መካይን 5000 ቅርሺ ንመሳርሒ ፅሕፈተ አቁሑት ፅሬት ሰራሕቲ ሕትመት ኤለክትሮኒክስ 1500 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  6. Â ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  7. Â መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል
  8. Â እቲ ጨረታ 21 መጋቢት 2008 ዓም ሰዓት 8፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት 21 መጋቢት 2008 ዓምÂ ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማÂ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረከብሉ ይክፈት
  9. Â እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344450110/Â 0343450112 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል