https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13665
ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ፋይናንስ ወረዳ እምባ ኣላጀ ነቲ ወረዳና አገልግሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኮምፒተርን ተዛመድቲ : ከምእዉን ስራሕቲ ሕትመት: ፅሕፈት ኣቅሑት : ኣቅሑት ፅሬትን : ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 10, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 23, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:እምባ ኣላጀ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 23, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ስለዚ ካብ 8 ጥሪ 2016 ዓም ክሳብ 23 ጥሪ 2016 ዓም ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ፋይናንስ ወረዳ እምባ ኣላጀ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንበረት ብምዉሳድ ንክትጫረቱ ንዕድም በዚ መስረት እዞም ቀፂሎም እተማልኡ ረቆሒ እተማልኡ ተጫረቲ ንክተወዳደሩ ንገልፅ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ቲን ቁፅሪ ዘለዎም

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለዎም ናይ ወርሒ ሐምለ 2015 ዓም መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

4 ናይ መቅረባይነት ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 መከበሪ ጨረታ 5000 / ሓሙሽተ ሽሕ / ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 ኣብ ዝተከየደ ጨረታ ካብ ነብስ ወከፍ ንብረት 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምንካይ ይከኣል እዩ

7 ንመሳርሒ ፅሕፈት ኮምፒተርን ተዛመድቲ 23 /5/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 4:30 ይክፈት

8 ንፅገና ኤሌክትሮኒክስ ድማ 23/5/2016 ዓም ሰዓት 43:0 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 5:00 ይክፈት

9 ናይ ሕትመትን ፅሬትን 23/5/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወክልቶም ኣብ ዝትረከብሉ ሳንዱቅ ጨረታ ይክፈት

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344210164 / 0344210407 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል