https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13612
ለም ትራንስፖርትን ንግድን ኣክስዮን ማሕበር ኣብ መቐለ ቀበሌ 17 ፊት ንፊት ባሎኒ ሆቴል ወይ ጥቓ ፖሊ ኢንስቲትዩት ኮሌጅ ዝርከብ G+1 ህንፃ ስፍሓት ቦትኡ 3000 ( ሰለስተ ሺሕ) ሜትር ካሬ ኾይኑ እቲ ህንፃ ኣብ 284.76 ሜትር ካሬ ዝዓረፈ በዝሒ ክፍልታት ጠቕላላ 19 ዝሓዘ ህንፃ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንምሻጥ ይደሊ፣
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 1, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 20, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:90000000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥሪ 20, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መሬትን ሊዝን/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ለም ትራንስፖርትን ንግድን ኣክስዮን ማሕበር ኣብ መቐለ ቀበሌ 17 ፊት ንፊት ባሎኒ ሆቴል ወይ ጥቓ ፖሊ ኢንስቲትዩት ኮሌጅ ዝርከብ G+1 ህንፃ ስፍሓት ቦትኡ 3000 ( ሰለስተ ሺሕ) ሜትር ካሬ ኾይኑ እቲ ህንፃ ኣብ 284.76 ሜትር ካሬ ዝዓረፈ በዝሒ ክፍልታት ጠቕላላ 19 ዝሓዘ ህንፃ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንምሻጥ ይደሊ፣

በዚ መሰረት ፣

1. ብምልክታ ወፂኡ ዝሓሸ ዋጋ ዘቕረበ ዝሽየጥ መሸጣ እዩ።

2. መበገሲ መሸጢ ዋጋ 90,000,000 ( ቴስዓ ሚልዮን) ተገይሩ በቲ ኮሚቴ ብዘዳለዎ ዋጋ ንመሸነፊ ግልፂ ብዝኾነ ዝሽየጥ እዩ።

3. እቲ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት ጥሪ 3/2016 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ዘሎ ንተኸታታሊ ግዜ ኣብ ኣየር ፀንሑ ጥሪ 20/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ተዓፂዩ እቲ ጨረታ ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘለውሉ ይኸፈት።

4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 1,000,000 (ሓደ ሚልዮን) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሽም ድርጅትና ለም ትራንስፖርትን ንግድን ኣክስዮን ማሕበር ከትሕዝ አለዎ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ

0912917462,0914730112,0914701328,0914701279,0914033094 ,0914700849 ምሕታት ይካኣል።