https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1354
ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኤለክትሮኒክስ፣አቁሑት ፅሬት ፣ከምኡዉን ፈርኒቸር ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 5, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 19, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዓ/ዓዲ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 19, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2008 ዓ/ም ዘሐደስኩም::

2Â ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክሲ/ቫት/ ኾይኖም ናይ ወርሒ ጥሪ ኣታዊ ዝገብሩሉ ዋንኡ ምስ ሐደ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ::

3 ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

4 ናይ ግብሪ ኸፋለይ መለለይ ካርድ (TIN) ዘለኩም::

5 ንጨረታ መክበሪ ንአቁሑት Â ኤሌክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ Â ንፅሕፈት መሳርሒ 3000 ቅርሺ ንኤለክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ ንአቁሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ንፈርኒቸር ቅርሺብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

6 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ Â ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ፅ/ፋ/ን/ምም/ር Â ቁፅሪ 9 ክፍሊ ሰነድ ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ሰነዳት ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲÂ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን Â ብምፅሓፍ አብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ ይሕብር

8 ምልክታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ Â 2/07/2008 ዓ/ም Â ክሳብ 19 /07/2008 ዓ/ም Â 3:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ እዋይ ይከዉን

9 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 19 /07 /2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 19 /07/ 2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

11 እቲ ጨረታ አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ

12 ሰዓርቲ ጨረታ ነቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብዩ ዓዲ ናይ መጋዕዝያ ሓዊሱ ብምቅራብ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ 15 መዓልቲ ባዕሉ አምፂኡ ከረክብ ዝክእል

13 ቤት ፅ/ትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪÂ 0344460058 /460173 ብምድዋል ይሕተቱ::

ኣድራሻ :Â ፊት ንፊት ኢትዩጰያ ንግዲ ባንክ ጨንፈር ዓ/ዓዲ

Â