https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13487
ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ አየር ኮንድሽነር ጋዝ ምምላእ ናይ ፅሬትን ገዛን ኣቁሑት ናይ መኪና ስፔርን ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ /ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ። በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 8, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 10, 2016 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ታሕሳስ 11, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ምግጣምን ፅገናን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/


• ናይ 2015 /2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኹም።

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 08/04/2016ዓ/ም ክሳደብ ዕለት 10/04/2016ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 11/04/2016ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን። ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ።

• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

• ተሳተፍቲ ኣብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወእዩ

ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ቢሮ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካኣል።