https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13434
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ን2016 ዓም በጀት ዓመት አገልግሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ጎማ ፡ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ኤሌክትሪክን ፡ ቁልፍታትን ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑትን ፅገናን ብጨረታ አወዳዲሩ ንምዕዳግ ስለዝደለየ ነዞም ረቆሒታት እተማልኡ ክትጫረቱ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 3, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 17, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ሰነድ ጨረታ ተገለፂ አሎ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 17, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ምግጣምን ፅገናን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ናይ 2016 ዓም ዝድሊ ዝሐተደሰሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ክከዉን አለዎም

2 ተጫረቲ ናይ መቅረብቲ መለለይ ምስክር ወረቀት ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዊዝሆልድ መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ወርሓዊ ዲክላራሽን ኣሐዲሶም ዝንበብን ግልፂ ዝኮነን ንሕድሕድ መረዳእታ ኣብ ሐድሐደ ገፅ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ብስፒኦ ወይድም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ

4 መጠን መከበሪ ጨረታ ኣብ ሰነድ ጨረታ ተገለፂ አሎ

5 ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ  2 ታሕሳስ /2016 ዓም ክሳብ 16 ታሕሳስ /2016 ዓም ካብ ቤት ዕዩና ዕደጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይክእሉ

6 ተጫረቲ ኣብ ዝሰዓርዎ ንብረት ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግዴታ አለዎም

7 ተጫረቲ ቤት ዕዩና ኣብ ሰነድ ጨረታ ኣበ ዝተቀመጠ ዝርዝር ወይድማ በዝሒ ሕድሕድ ዓይነት 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ዝክእል ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

8 ተጫረቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ካብ ዝተጋወሐሉ መዓልቲ ዝቁፅር ካብ 2 ታሕሳስ /2016 ዓም ክሳብ 16 ታሕሳስ /2016 ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ምካኑን ዝዐፀወሉ ድማ 17 ታሐሳስ /2016 ዓም ንግሆ ሰዓት 4:00 ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ 17 ታሐሳስ /2016 ዓም ንግሆ ሰዓት 4:30 ኩሉም ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ ምካኑን ዋጋ ፀኑዑ ዝፀንሐሉ መዓልቲ ድማ ካብ ጨረታ ዝተከፈለቱ መዓልቲ ዝቁፀር 45 መዓልቲ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

9 ካብ ክልተ ሎት ብላዕሊ ዝወዳደሩ መቅረብቲ ነናይ ባዕሎም ፖስታ ብምጥቃም ክእትዉ አለዎም

10 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ሕቶ እንተሃልዎም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብፅሑፍ ናብ ቤት ዕዩ ክእትዉ ይግባእ

11 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344402420 /  0344411201