https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1343
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፈይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት አብ 2008 ዓ/ም በጀት ዓመት ንትካልና ከገልግሉ ዝክእሉ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ (ከም ከምፒተር :ፕሪንተር :ላፕቶፕ ካልኦት) ፅሕፈት መሳርሒ : ፅሬት ኣቁሑት : ኦፊስ ፈርኒቸራትን ናይ ኣብያተ ትምህርቲ (ወንበር ስቱል ወዘተ) :ናይ ሕተመት ስራሕቲ :መኪና ፅገና : ግልጋሎት ቢያጆ ምጉዓዝን ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ መሰረት ጌርኩም ክትወዳደሩ እትደልዩ ብኣኽብሮት ፃዉዒት የቕርብ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 1, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 15, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መጋቢት 15, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ መኪና ክራይ/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 ቫት /VAT/ ተመዝጋቢ ኮይኑ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ናይ ቫት ዲክለሬሽን : ናይ ትወዳደርሉ ዘርፊ ንግደ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ 2008 ዓ/ም:Â መፍለይ ቁፅሪ ናይ ግብሪ/TIN/ ከፋላይ ከምኡ ዉን ሰርተፍኬት መቅረባየነት ከቕርብ ዝክእል::

2Â ካብ ትካልና ደጋፊ/ከ /ስ/ዕ/ፋ/ን /ምምሕዳርን ካብ ዕለት 01/07/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/ 07/ 2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ብብር 20 (ዒስራ ቅርሽ) ብምግዛእ ክተወስዱ ከምትክእሉ ብምፈላጥ ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 15/ 07/ 2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00Â ብምዕፃዉ ሕጋዊ ጨረታ ኮሚቴ አብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 3:45 ይኽፈት ብተወሳኪ ኣብ እዋኑ ምኽፋት ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ክርከቡ ይኽእሉ እዩም::

3 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ: ኤሌክትሮኒክስ :ፈርኒቸር :ግልጋሎት/መጋዓዓዚ Â ብር 7,000.00 (ሸዉዓተ ሽሕ ብር ጥራሕ) ንፅገና መኪና : ንሕትመት ስራሕቲ Â :ንፅሬት ኣቁሑት ብር 4,000.00 (አርባዕተ ሽሕ ብር) ብ CPO /ብሲፒኦ/ ከትሕዙ ዝክእሉ::

4 ዝሳዓሮ ንብረት በቲ ዝወፀ ሰፐስፊኬሽን መሰረት ናብ ትካልና ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጎዓዝያ መራገፍን ከቕርብ ዝክእል::

5 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ::

ኣድራሻና:Â ትግራይ-መቐለ- ቀበሌ 18 /ሓድነት/ ንግስቲ ህንፃ ልዕሊ ደኩተር ፍፁም ብርሃን ዓይኒ ሕክምና ዝርከብ መንግስታዊ ትካል ትልምን ፋናንስን ከ/ከ/ሓድነት

ንዝተደለየ ሓበሬታ ስልኪ ደ/ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርንÂ Â 0348419041 ሞባይል ቁፅሪÂ 0914 29 73 43Â Â ብምድዋል ክረኽቡና ይኽእሉ እዩም::