https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13404
ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዳይሪክተር ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትና ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናዉቲታት ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ቢሮ ካብ ናይ UIIDP በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 25, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 2, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብር 100,000.00 : ንኣቅሑት ቢሮ 8,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 2, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 26 ንመሳራሒ ኤሌክትሮኒክስ 100 ንኣቀሑት ቢሮ 100 ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ሰነድ ክወስዱ ዝክእሉ

2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሰርተፈኬትን ቲን ዝተመዝገብ ምካንኩም መረጋገፂ ናይ ቀረባ እዋን ወርሓዊ ዲክለሬሽን ሙሉ ደኩመንት ከቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ማለት ቪድቦንድ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብር 100,000.00 : ንኣቅሑት ቢሮ 8000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ሕጋዉነቱ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 14 ሕዳር ክሳብ 2 ታሕሳስ 2016 ዓም እዩ ዝዕፀወሉ ሰዓት ሰዓት 330 ናይ ንጎሆ ይከዉን ስለዚ ናብ ቤት ፅሕፈትና ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ከቅርቡ ይክእሉ

5 ጨረታ ዝከፈተሉ ድማ 2 ታሕሳስ 2016 ዓም ሰዓት 400 ረፋድ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ከምእዉን ዶክምንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፈት ምኮና ንሕብር

6 እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልክ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመለእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቅቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለትን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምእድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝመለእኩምዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት ይብሉን

8 ኣብቲ ጨረታ ዝተሸቀሰ ሞዴል ማለት እሰፔሲፊክሽን ምስራዝ ኣይከኣልን

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344401099

ኣድራሻና ቀበሌ 03 ዋና ኦዲተር ድሕሪ ኣግኣዚ ኦፕሪሽን ምምሕዳር ዞባ መቐለ