https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13390
ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ስዒቦም ዘለው ንብረታት ማለት ዝተፈላለዩ ናይ መኪና መለዋውጢ ኪራይ መኪና ናይ ባነር ሕትመት ናይ ቢሮ ናውንቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 20, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 2, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 2, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ናይ ቢሮ አቁሑት/


ሎት 1. መኪና መለዋውጢ

ሎት 2. ኪራይ መኪና

ሎት 3. ናይ ባነር ሕትመት

ሎት 4. ናይ ቢሮ ናውንቲ

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

3 ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀትን ቫት ምምዝጋብኩምን ናይ ወርሓዊ ድክለረሽን ዝገበርኽሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

4 መኽበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት ብር 10,000 ሽሕ ቅርሺ ስፒኦ/CPO/ ክተትሕዙ እትክእሉ::

6 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ኦርጅናል ሓደ ቕዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

7 እቲ ጨረታ ካብ 20/03/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ን 10 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 02/04/2016 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

8 መሸነፊ ትካል ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ድማ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኮምፒተርን ተዛመድቲ ኣቅሑት፣ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ባነር ወይ ስራሕቲ ሕትመት ከቅርብ ዝክእል፤

9 ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 50.00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ በዓል እንተኮይኑ ኣብ ዝቅፅል መዓልትን ሰዓትን ይክፈት፡፡

11 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

12 ንተወሳኪ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 መምርሒ ቁፅሪ 04 /2007 ተግባራዊ ይከውን፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 0344-404715 ምድዋል ይከአል::