https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13377
አብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ብሶቆጣ ዲክላሬሽን ብዝረከቦ በጅት ንዝተፈላለዩ ወረዳታት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣፍሪዴብ ሃንድ ፓምፕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 20, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 26, 2016 03:15 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:100,000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 26, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1. ናይ 2015 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ፣ መቅረባይነት ሰርትፊኬትን ቲን/Tin/ ሰርቲፊክት ዘለዎ ቫት ምዝጉባት ዝኾኑ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2015 ዓ/ም ቫት ዲክሌሬሽን ዘቕርቡ፣

2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ ቢሮና መዝገብ ቤት ጨረታ ብሬድዮ ካብ ዝተቓለሐሉ ዕለት 19/03/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/03/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 200 ብምከፋል ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይካአል::

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 100,000.00 (ሚኢቲ ሸሕ )ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ድማ ኣብኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ምስቲ ቴክኒካል ሰነድ ጨረታ ኣታሓሒዙ ከቕርብ ይኽእል::

4. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 26/03/2016 ዓ/ም ሰዓት3፡00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ሰዓት 3፡30 ይኽፈት።

5. ተጫረቲ ሐደ ኦርጂናል ቴክኒካልን ፋይናንሻል ሰነድ ነንበይኑ ብፖስታ ዝተአሸገ ከምኡውን 01 ኮፒ ቴክኒካል 2 ኮፒ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተአሸገ ብምቕራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ኦሪጂናልን ኮፒ ተባሂሉ ብግልፂ ከቐርብ ኣለዎ ፣

6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

7. አድራሻና ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ መቐለ

8. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስኪ ቑፅሪ 0914723753/ 0920326084 ምድዋል ይከአል ናይ ጨረታ መኽፈቲን መዕፀዊን ዕለት ኣብ በዓል እንተዊዒሉ አብ ዝቕፅል ዘሎ ናይ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኸፈት ይኸዉን።