https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1330
ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ አብ 200 በጀት ዘመን ን ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናዉቲ ቤት ፅሕፈት፡ ኤለክትሮኒክስን፡ ጀነሬተር ኤለክትሪካል አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶን መቕረብትን ንክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 30, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 21, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መጋቢት 21, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 ተጫረቲ ተወሳኪ ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑን ብአዋኑ ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ሓድሽ ናይ መቕረባይ ሰርተፍኬትን ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ(TIN) ዋናን ኮፒን ከቅርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ አለዎም::

2 ተጫረቲ ብቢሮ ንግድን ኢንዱስትርን ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅረብ::

3 ካብ ቤት ፅሕፈት ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ ምምሕዳር ቢሮ ቑፅሪ -17 Â ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ንተቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድዋጋ ብሸምዒ ብዝተአሸገ ፖስታ ንጨረታ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታዉ ክተወዳደሩ ትኽእሉ::

4 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ንናዉቲ ቤት ዕዮ ናዉቲ ኤለክትሮኒክስ ጀነሬተር ኤለክትሪካል ነፍስወከፎም ብር 5000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ካብ ዝተፈለጠ ባነኪ ብዘወሃብ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል::

5 ምስ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዉዕሊ ድሐሪ ምፍራም ዝተትሓዝ መክበሪ ጨረታ ንዝተሰዓሩ ተጫረቲ ወድያዉኑ ይምለስ::

6 ዕዳጋ ፈፃሚ አካል ዝሐሸ መነገዲ እነተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

7 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርከበሉ ቦታ ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪÂ 17 ብር 50.00 ብምኽፋል ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኻንኩም ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ካብ 30/06/08 ዓ/ም ጀሚሩ Â ክሳብÂ 20 /07/ 2008 ዓም ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን::

8 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 21/07/08 ዓ/ም ሰዓት 2:30 Â ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ Â ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተከብሉ ዕለት 21 /07/ 08 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ አብ ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ -17 ይኽፈት::

9 VAT ተመዝገበቲ ናይ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓ/ም ቫት ዲክለሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ::

10 ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወ ቋንቋÂ ብትግርኛ እዮ

11 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034 445 1887 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::