https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1328
ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል መፅሄትን ዝተፈላለዩ ፎርማታት አጫሪቱ ክሕትም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 29, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 12, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 12, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ጨርቃ መርቂን ውፅኢት ቆርበትን/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ተወዳደረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ተወሳኺ እሴት /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወረሒ ጥሪ 2008 ዓ/ም ድክለር ዝገብረን ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ናይ መቅረባይነትን ግልጋሎት ወሃባይነትን ፈቃድ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ/TIN Number/ ዘለዎምን ከቅራብ ዝኽእልን

2 ጨረታ መኽበሪ /CPO/ ከትሕዝዎ ዝግባእ

  1. ንመፅሄታትን ፎርምታትን Â ብር 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/
  2. ስፖንጅን ፍራሽን መተርኣስንÂ Â Â ብር 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/

3 ተወዳደረቲ ንዝሸነፍዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕል ኣሲሮም ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክቕርቡ ዝኽእል

4 ተወዳደረቲ ኣብ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ማህተም ፊርማን ሙሉእ ኣ/ሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ

5 ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ሰነድ 30 ብር ብምኽፋል ዝመልእዎ ጨረታ ካብ ዕለት 28/06/2008 ዓ/ም ክሳብ 12/07/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ረፋድ አብ ዘሎ ግዜ ኣብ መ/ቤትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ዝኽእሉ ኾይኖም አብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ አብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት

6 ኣብ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንዓሉ ሐደ ወርሒ ፀኒዑ ይፀንዕ

7 ኮሚሽና ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኮይኑ ብተወሳኪ ዉን 20 % ናይ ምዉሳክ ምቅናስን ከምዝክእል እዩ

8 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344406577 ወይ ድማ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ምሕታት ይክእሉ

Â

Â