https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13233
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ንቤት ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፡ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል ስፔር ፓርት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 28, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 11, 2016 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ክልተ ኣዉላዕሎ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 11, 2016 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ ኣብ ዘለኩምን ኣብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝከፈልኩምን

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ዉፅሪ ቲን ካርድ ዘለኩምን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ካርደ ዘለኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ወርሓዊ ዲክልሬሽን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ነሐሰ 2015 ዓም መረዳአታ እትክእሉ ንሐደ ደኩመኔንት ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረትን ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቀረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 27/02/2016 ዓም ክሳብ ዕለት 11/03/2016 ዓም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል

3 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 11/3/2016 ዓም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በዚ ዐለት ሰዓት 8፡30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ተዛይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈትን ይግምገምን

4 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ መከበሪ ጨረታ ዝከዉን ብር 5000 ብስፒኦ ከትሕዙ ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ፓርት መከበሪ ጨረታ ዝከዉን ብር 5000 ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

5 ተጫረቲ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃሊዎን ስርዝ ድልዝ እንተኮይኑን ተቀባልነት ኣይህልዎን

6 ተጫረቲ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሩ ይኩን ዘይሰዓሩ ተወዳደርቲን ኣብ 3ተ መዓልቲ ዉሽጢ ብፅሑፍ ምስ ቀረበልኩም ቅሬታ እነተዘይቀሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ቅሬታ ዘይንቅብል ምካና ንሕብር

7 ሰዓራይኮይኑ ዝተረከበ ተጫረቲ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እነተዘይኣሲሩ ዝተሓዞ መከበሮ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን

8 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ከርከብ ይግባእ

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ስቁ ሞባይል 0932326414 / 0914741258