https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13203
ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ንኣብያተ ቤት ፅሕፈቱ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት ን ኤሌክትሮኒክስን ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን ግልጋሎት ክረክብ ስለዝደለየ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትጫረቱ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 21, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 5, 2016 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢ ዘርፉ ዝተፈላለየ እዩ
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 5, 2016 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ቅዳሕ ምስ ዋና ክተቅርቡ እትክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለኩም ዝተሐደሰ ወረቀት መቅረባይነት ቅዳሕ ምስ ዋና ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ መረዳእታን ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ እዉን ዋና ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ 20 ጥቅምቲ 2016 ዓም ጀሚሩ ክሰብ 4 ሕዳር 2016 ዓም  ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ንነብስወከፍ ሎት ወይ እዉን ዕጫ ዘይምለስ 300 ቅርሺ እናዳከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ምዉሳድ ትክእሉ

4 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ ንኤሌክትሮነክስ 10000 ቅርሺ ብባንኪዝ ተረጋገፀ ስፒኦ ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ ይግባእ

5 ሳንዱቅ ጨረታ 5 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 ዝርዝር ተወሳኪ ሐበሬታ ኣብ ነብስ ወከፈ ሰነድ ጨረታ ምርኣይ ይከኣል

7 ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ዝሐሸ መማረፂ እንተረከቢ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እየ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብኣካል ናብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ወይ ድማ 0914730881 0920761693 ደዊልካ ምሕታት ይከአል