https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13184
ድምፂ ወያነ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ቀፂሉ ዝተዘርዘሩ ንብረታት ማለት እዉን ዝተፈላለየ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤለክትሮኒክስን : ኣቅሑት ህንፃን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 20, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 29, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 29, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2015 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን

2 ናይ ወርሒ ሰነ 2015 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ዉሕስና ጨረታ 10 ሚእታዊ ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋፀ ዝተዉሃበ ቼክ ከቅቡ ዝክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 19 ጥቅምቲ 2016 ዓም ክሳብ 29 ጥቅምቲ 2016 ዓም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 308 ምዉሳድ ይከኣል

5 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ቴክኒካልን መሊእኩም ብሽምዒ ዝተዓሸ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 404 ክተቅርቡ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋሐወሉ 19 ጥቅምቲ 2016 ዓም ጀሚሩ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብምፅናሕ 29 ጥቅምቲ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ አብ 4 ደብሪ ኣብ ዝርከብ ቢሮ ቁፅሪ 404 ይክፈት

7 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344410545  0344410546