https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13171
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ማይጨው ን 2016 ዓ/ም ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ፅሬትን ኣቁሑ ብግልፅ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 16, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 26, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 15000.00, ናይ ፅሬት ኣቁሑ 5000.00
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 26, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ መዐቀኒታት

1. በቲ ዘፈር ንግዲ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን፣ ቲን ናምበርን ከቕርብ ዝኽእል፡፡

2. ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ቫት ተመዘጋባይ ሰርቲፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉን፡፡

3. መጠን መኽበሪ ጨረታ ብር

ተ.ቁዓይነት ኣቁሕትመጠን ገንዘብ
1ናይ ፅሕፈት መሳርሒ15000.00
2ናይ ፅሬት ኣቁሑ5000.00

ብCPO ፣ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል፡፡

4. ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 200.00 ብምኽፋል ካብ ዕለት 16/02/2016 ዓ/ም ምልከታ ካብ ዝወፀኣሉ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዝተዉሃቦም : ሰነድ : ኦርጅናል ን ዋጋ ዝምለኦሉ ኮፒን ከእትዉ ኣለዎም ፡፡

5. እቲ ጨረታ ሳንዱቕ ዕለት 26/02/2016 ዓ/ም ልክዕ ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይኸፈት፡፡

6. ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን ፡፡

7. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኸቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡ 8.ጨረታ ዋጋ ፀንዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 15 ማዕልቲ ይኸውን፡፡

9. ቤት ፅሕፈትና 20 % ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

10. ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ስቶር ከምፅእ ዝኽእል፡፡

11. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03477701234 ምሕታት ይካኣል፡፡

ምስ ሰላምታ