https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13135
ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ህ/መሳርሒ ፍራሽን ኮቦርታን ናይ መኪና ጎማን ባትርን ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 12, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 14, 2016 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:---
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 15, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ፍርናሽ ትርኣስን ተዛመድትን /

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

● ናይ 2015 /2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኹም።

● ናይ ግብሪ ክፋላይ መፍለይ ቁፅሪ TIN መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ ኣለዎ።

● መቕረብቲ ካብ ዕለት 12/02/2016 ዓ/ም ክሳደብ ዕለት 14/02/2016ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

● ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 15/02/2016ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኽፋት ዝዓግቶ የለን።

● ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ።

● አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

● ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

● ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወእዩ

ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ግራዉንድ ቢሮ ቁፅሪ 001 ወይ 18 ደብሪ ቁፅሪ 107 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካኣል።