https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13042
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣዉራ ኣብቲ ወረዳ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ማለት እዉን ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ መለዋወጢ አቅሑት መኪናን ጎማ መኪናን ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 19, 2013 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 2, 2013 07:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 2, 2013 07:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2012/13ዓ/ም  ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ መረዳእታ መቕረባይነት ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎምን ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምኻኖም ዘመላክት መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ከምኡ እዉን ናይ ወርሒ መስከረም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ዘለዎምን

3 መኸበሪ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት 4000 ቅርሺ ፣ መለዋወጢ አቅሑት መኪናን 3500 ቅርሺ ፣ ጎማ መኪና 3000 ቅርሺ ብስፒአ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

4 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣዉራ ከረክብ ዝክእል

5 ሰዓራይ ምስተገለፀ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊት ኣትሒዙ ዉዕሊ ዝኣስር

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣዉራ ምዉሳድ ይካኣል

7 ጨረታ 02/03/2013ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 7፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 7፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣዉራ ይክፈት

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 09 14 82 00 95 /09 18 03 45 91 /09 14 74 88 05 /09 10 37 32 75