https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13008
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ በጀት ዓመት 2013ዓ/ም HDPE ምስመገጣጠምኡ ፣PPR ምስመገጣጠምኡ፣ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ክትጫረቱ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 16, 2013 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 25, 2013 07:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ዕዳጋ ሓሙስ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 25, 2013 08:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ክማልኡ ዝግብኦም ረቀሕታት

1.ናይቲ ዝወዳደርሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2013 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ አብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኮፒ ዘቅርብ

2.ሰነድ መዐደጊ ዘይምለስ ብር 50 (ሓምሳ ቅርሺ) ጥራሕ ዝከፍል

3.ሰነድ ዝወሃበሉ ካብ ዕለት 16/02/2013ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 25/02/2013 ንተከታታሊ 10 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ቁፅሪ 7 ብምምፃእ ምዉሳድ ይከኣል

4.ሰንዱቅ ጨረታ 25/02/2013 ዓም ሰዓት 7:30 ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት8:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተዘይተረኪቦም ቤት ዕዩና ጨረታ ፖስታ ምክፈት መሰሉ ሕሉዉ እዩ

5.ጨረታ መክበሪ ብር 3000 ቅርሺ ብሲፒኦ ብሄራዊ ንግዲ ባንክ ዝፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል

6.መተሓሳሰቢ ዝርዝር ናይ ጨረታ መምርሒ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ንሽይጥ ምካና ንሕብር

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 47 73 05 77/09 47 73 02 69