https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12983
ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ መኾኒ ንዝተፈላዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይቲ ከተማ ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ኮንክሪት ቮል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከትክል ወይ እዉን ክዝርግሕ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 14, 2013 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 26, 2013 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:40,000
  • ቦታ:መኮኒ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 26, 2013 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

1 በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ናይ ዘመኑ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ብዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ዉልቀ ማሕበራትክትወዳደሩ ትክእሉ

3 ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝተፈለጠ ትካል ብዝረገሐ መስመር ኤሌክትሪክ  ኮንክሪት ቮል ስራሕ ልምዲ ተቅርቡ

4 Vat ወይ እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ መስከረም ሒሳብ ዘወራረድኩም መረዳእታ ተቅርቡ

5 ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቲን መሉእ ዶክመንትን ብ 3ተ ፖስታ ኣሽጉ ኦርጅናልን ኮፒን መልኡ ከቅርብ ዝክእል

6 ጨረታ መኸበሪ ብር 40,000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰነድ ጨረታን ዝርዝር መዐቀኒን ዘይምለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ቢሮ 2 ምዉሳድ ይካኣል

8 ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕል ክኣስር አለዎ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ብምትሓዝ ዘትሐዝዎ መኸበሪ ጨረታ ይምለሶሎም

9 ጨረታ ዝፀንሓሉ እዋን ካብ ዕለት 12/02/2013ዓ/ም ክሳብ 26/02/2013ዓ/ም ንተካታታሊ 15ናይ ስራሕ መዓልቲ ይፀንሕ

10 ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 26/02/2013ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት

11 ጨረታ ሰነድ ዝኽፈተሉ ግዜ ዕለት 26/02/2013ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ይኸዉን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 09 28 94 23 32 / 09 14 16 72 63