https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12740
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ብዘት ን 2013ዓ/ም በጀት ዓመት 1ይ ዙር ጨረታ ንኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ንብረት ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ስራሕቲ ሕትመት ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 22, 2013 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 10, 2013 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 10, 2013 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ነሓሰ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

3 ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት

4 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ብዘት ምዉሳድ ይካኣል

5 መኸበሪ ጨረታ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት 5000 ቅርሺ ፣መሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ፣ ኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ፣ስራሕቲ ሕትመት 3000 ቅርሺ ፣ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብዝተወሃበ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

7 ጨረታ 10/02/2013ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

ንተወሳኪ ሓበሬታ  03 43 12 04 56