https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12481
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ ኣብ 2013 ዓም ንኣብያተ ዕዩ ካብ ዝተመደበሉ በጀት ንአገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ኣቅሑ ፅሬት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 5, 2013 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 19, 2013 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 19, 2013 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም በዚ ዘፈር ንግዲ ናይ 2012 /2013 ዓም ዝተሐደሰ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ዝተመዝገበ ክክዉን አለዎ

3 ሰነድ ጨረታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዓድዋ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ክወስዱ ይክእሉ

4 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል፤

5 መከበሪ ጨረታ ( Bid BOnd ) ንመሳርሒ ፅሕፈትን  5000 ቅርሺ ንኣቅሑት ፅሬትንኤሌክትሮኒክስን ነብስወከፎም 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይትመስረተዉስና ባንኪ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ለቴር አፈ ክሬዲት ከትሕዝ ዝክእል፤

5 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዝሐዘ ኮይኑ

6 ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ናብ ከተማ ዓድዋ ትልምን ፋይናስን ከቅርብ ዝክእል፤

7 ናይ ፅሕፈትን መሳርሒ ሰነድ ካብ 04/01/2013 ዓ/ም ጀሚሩ 19/01/2013 ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ኣቅሑት ፅሬትን ሰነድ ጨረታ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 19/01/2013 ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ከብ 30 መዓልቲ ዘይበልፅ ይከዉን።

8 ተጫረቲ ንዝቅርብዎ ንብረት ብፍላይ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ንሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ዝክእልን ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ድማ ቤት ፅሕፈት ብዝቅርቦ ስፔስፊኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝክእል

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-71 1374 / 0347711376 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።