https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12392
ናይ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ን ኣብያተ ፅሕፈት ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ፣ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ፅሬት ኣቅሑት፣ ናይ ሕትመት ስራሕቲ ፣ ናይ ጉልበት መኪና ጉልበት ጋራዥ ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ/ ክግልገል ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 27, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 8, 2013 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 8, 2013 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ፅገና ተሽከርካሪ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 በቲ ዘፈር ንግዲ ዝምልከቶኩም ኮይኑ ናይዚ ዓመት ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ግብሪ ዝከፈለን

2 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረብቲ ምዝገባ ሰርትፊኬትን ቫት ተመዝገብትን ናይ ወርሒ ሰነ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ወይ ቲን ናምበር ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ተጫረቲ ናይ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ፅሕፈት መሳርሒ ናይፅሬት ኣቅሑ ናይ ሕትመት ስራሐቲ ናይ ጉልበት መኪና ጉልበት ጋራዥ በቢ ዘርፉ ሰነድ ዘይምለስ 50 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ምዉሳድ ይካኣል

5 ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ 3000 ቅርሺ ብስፒኦ  ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 አዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ 27/12/2012ዓ/ም ክሳብ 08/01/2013ዓ/ም ምዉሳድ ዝካኣል ኮይኑ ሰዓት 4፡00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ይክፈት

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 42 40 04 03