https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12389
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ንወረዳ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ፅሬትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 27, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 13, 2013 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ሳሓርቲ ሳምረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 13, 2013 08:45 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2012/13ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሚያዝያ ፀብፃብ ዝገበርሉ መረዳእታ እውን ከቅርብ ይግባእ፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን  ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ፤

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ ካብ 27/12/2012ዓ/ም ክሳብ 13/01/2012ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት  ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

6 እቲ ጨረታ 13/01/2012ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።

7 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።