https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12363
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ዓዲግራት ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝዉዕል ፣ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት : መሳርሒ ፅሬት : ኮምፒተራትን ተዛመድቲ ኣቅሑትን፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ፣ መለዋወጢ ኣቅሑትን መገያየፂታትን ተሽከርከርቲ ፣ መገጣጠምቲ ኣቅሑት HDP PPRን ፣ ሓፂን ቱቦ ኣቅሑት መገጣጠሚትን ቆፀርቲ ማይን ፣ ፒል ሰፍትዎርን ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ሕጋዊያን ነጋዲ ዝኾንኩም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ነሓሰ 26, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 5, 2013 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 5, 2013 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ዕዲጊት ሶፍትዌር/ ዌብሳይትን ሶፍትዌርን ምምዕባል/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ 2012/13 ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ፣ቲን ናምበር፣ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ፣ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘለኩም ፣ ናይ ወርሒ  ዲክላርሲዮን ዘማላእኩምን ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩምን፣ ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 30 እናከፈልኩም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 26/12/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 05/01/2013ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን አብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓዲግራት ካብ ቢሮ ቁፅሪ 7 ናይ ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ አብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ይዕድም

2 ዝተሓተትክምዎ  መኸበሪ ጨረታ ገንዘብ ብስፒኦ ከተትሕዙ ይግባእ

3 እቲ ጨረታ 05/01/2013 ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት አብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ብዘለዉሉ ዝክፈት ይከዉን

4 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-452872 ወይ 0344-450106 ምሕታት ይከአል