https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1236
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ምድብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ :: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተዳሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረሩ ከምትኽእሉ ነፍልጥ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 5, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 22, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 22, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ሎት 1 ናይ ማይ መፃረዩ ማሽን ወይድማ water treatment plant ፕሮዲዩስ ምስተካላ

ሎት 2 ተጠባባቂ ኤለክትሪካል ጀነሬተር ወይድማ standby power generator

ሎት 3 ናይ ማይ ኤችዲፒ ፓምፕ ምስመገጣጠሚ ዝርጋሐ ስራሕቲ ኣቅርቦትን

1 በዚ መሰረት ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ምስክር ወረቐት ቅዳሕ ገይሩ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ መትሓዚ ንሎት 1 ብር 10.000 (ዓሰርቲ ሽሕ) Â ንካልኦት ንንሕድሕዶም 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ) ቅርሺ ብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ዝተሰርሐ CPO Â ወይድማ ብጥረገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ታሐሳስ 2008 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ማለት አዉን ቴክኒካልን ፋይናነሻልን ተዓሺጉ ኸቅርብ ዘለዎ እንትኸዉን ን ሎት 2 ዋንኡ /ኦርጀናልን/ ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት : CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጀናልን ዶክመንተ ክተሓሓዝ አለዎ::

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣበ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50 /ሓምሻ ቅርሺ/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣበ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 28 01 ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 7 /06 /2008 ዓ/ም እስካብ 22 /06 / 2008 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 22/06/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብዚ ዕለት እዙይ ማለት እዉን 22/ 06 /2008 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተዝተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኢዩ

ኣድራሻ ዒላላ ፈልሲ ጣብያ

ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 28 01