https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12332
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ካብ ስሩዕ በጀት ን2013ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ወረድኡ ኣብያተ ዕዮ ንናይ መሳርሒ ፅሕፈትን መሳርሒ ፅሬትን አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 20, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 4, 2013 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ: ፀገዴ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መስከረም 4, 2013 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነት ወረቀት ምስክርን ዘለኩም፤

2 ቲን ናምበር ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ፤  ንናይ ፅሬት መሳርሒ ቫት ኣይግደድን

3 ተመዝገበቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ሰነ 2012 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዝዓፀክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 19/12/2012 ዓ/ም ክሳብ 04/01/2013 ዓ/ም ካብ ቤት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ንሎት ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

5 ተጫረቲ ንመከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት1 5000.00 ቅርሺ ሎት 2 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ካብ ሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

6 ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ኮይኑናይ ጨረታ ሳንዱቅ 04/01/2013 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፤

7 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካብም ጨረታ ሰነ ስርዓት ኣይተኣጎጎልን፤

8 ተጫራታይ ሰዓራይ ኮይኑ ምስተረከበ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብኣካል ብምቅራብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ገንዝብ 10 ሚኢታዊ ብጥረ ገንዝብ ወይ ካብ ሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብምትሓዝ ዉዕል ኣሲሮም

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

10 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 35 መዓልቲታት ይከዉን፤

11 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914-19 03 33 /09 33 11 66 76 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤