https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12271
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ንናይ መኪና መፀገኒ ዝኮዉን ጋራዥን ፣ ንሞተር ሳይክል ዝፅግን በዓል ሞያን ከምኡ እዉን ንፅገና ኮምፒተርን ተዛመድትን በዓል ሞያ ዝፅግን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ክንዕድግ ንደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 9, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 25, 2012 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ኣፅቢ ወንበርታ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ነሓሰ 25, 2012 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ፅገና ሞተርሳይክል/ ፅገና ተሽከርካሪ/

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤ መቅረባይነትን ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

2 ተጫረቲ ብናይ ባዕሉ ዘርፊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

3 ተጫረቲ ካብ ዝምልከቶ 4ይ ደረጃ ልዕሊኡን መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ

4 ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኾኑን ናይ ወርሒ ሰነ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 መኸበሪ ጨረታ ንሞተር ሳይክል ፅገና በዓል ሞያ 10,000.00 ቅርሺ ፣ ንናይ መኪና ፅገና ጋራዥ 50,000.00 ቅርሺ ፣ ፅገና ኮምፒተርን ተዛመድቲ ኣቅሑትን3,000.00፣ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ኣለዎ።

6 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከ/ስ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ ናይ ሰነድ ዋጋ 50.00 ጥራሕ ቅርሺ ይኸውን።

7 ዋጋ ን45 መዓልቲታት ፀኒዑ ይፀንሕ

8 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ 08/12/2012ዓ/ም ክሳብ 25/12/2012ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 25/12/2012 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት።

9እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

መብርሂ ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ 0343-400033/0100 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።