https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1227
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ንዝተፈላለያ ቤት ፅሕፈታት ናይ መደበኛ በጀት 2008 ዓም መሳርሒ ፅሕፈት ፣ማሽናት ወይከዓ ኮምፒተርን ፕሪንተርን፣ አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ፣ንሕትመትን፣ኣናእሽተይ አቁሑትን ካልኦት አቁሑትን አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 3, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 17, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ሕንጣሎ ዋጅራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ የካቲት 17, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቢዘፈሩ ዘለዎ
  2. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን
  3. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
  5. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  6. ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝሰዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  7. መክበሪ ጨረታ3,000 ቅርሺ ንነፍስወከፍ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
  9. ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
  10. ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
  11. ኣብቲ ዝወፀ ሰነድÂ ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  12. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራትÂ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
  13. ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
  14. ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዝተጠቀሰ ጣብያታት ምስ መጋዓዕዝዩ መራገፊኡን ክሽፈን ዝክእል
  15. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 20 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
  16. ሳንዱቅ ጨረታ 17ለካቲት Â 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለትÂ ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
  17. እቲ Â ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪÂ 0344370246 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።