https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12208
ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ንብረታት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት ሎት 2 ስራሕቲ ሕትመት ሎት 3 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቃሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሓምለ 29, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 14, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ነሓሰ 14, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ተጫረቲ ከማልኡዎ ዝግባእ ረቃሕታት

1 ናይ ዘመኑ ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ ፣ መረጋገፂ መለለይ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ቲን ናምበር ዘለዎም ከምኡ እዉን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ወረቀት፣

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሰነ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ

3 መኸበሪ ጨረታ ሎት 1 15,000.00 ሎት2 10000.00 ሎት3 5000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ፋይናንሻል ከልተ ሰነዳት ከምኡ እዉን ሰነድ ብዘተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተደለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ቢሮ ቁሪ 42 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ይክእሉ

5 እቲ ጨረታ ካብ 29/11/2012ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 ተካታተልቲ መዓልትታት ኣብ ኣየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 14/12/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡00 ይክፈት

6 ሰዓራይ ትካል ብዝቀረበ ዝርዝር እቲ ንብረት ከቀርብ ኣለዎ

7ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዪ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 40 47 15