https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12059
ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ዳይሬክቶሬት ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ ከተማ ኣክሱም ናይ ማይክሮ ፋይናንስ አደዳይ ህንፃ ፕሮጀክት ዲዛይን ንምስራሕ ንኣመከርቲ ትካላት ኣጫሪቱ ከስርሕ ስለዝደለየ መማከርቲ ብስነ ህንፃን ምህንድስናን ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን መማከርቲ ህንፃን ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ሓፈሻዊ መማከርቲ ምህንድስና ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ፍቃድ ዘለኩም ኣማከርቲ ትካላት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 18, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 20, 2012 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሓምለ 20, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኢንጅነሪንግ ዝዛመድ ኮንሳልታንሲይ/

1 ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ስራሕ : ናይ ተወሳኬ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑ : ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፣ ናይ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከትሕዙ ዝክእሉ ዝተሐደሰ መቅረባይነትምዝገባ ምስክር ወረቀት ከትሕዙ ዝክእሉ ፣ ዝተሓደሰ ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ዝተውሃብዎ ምዝገባ ካርዲ ዘለዎም፤ ቅድሚ ጨረታ ምዕፃዉ ኣቅሪቦም ከገናዝቡ ዝክእሉን

2 ከሎም ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 20/11/2012 ዓ/ም ዘይምለስ 300.00 ዓ/ም ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ይክእሉ

3 እቲ ጨረታ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 20/11/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 209 ክክፈት እዩ

4 እቲ ዳይሬክቶሬት ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ዳይሬክቶሬት ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 209 በኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-408775