ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ንአላማጣ ህንፃ ዝከዉን Wood door ን plastic tall ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
- ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 26, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
- ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 3, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
- ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000
- ቦታ:መቐለ
- ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
- ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ የካቲት 3, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
- መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/
- ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ ዘመኑ ዝሐደስኩምን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
- ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
- ዝተሐደሰ መቕረብነት መለለይ ካርድ ዘለዎን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
- ናይ ኮንስትራክሽን ኣቑሑ ተወዳደርቲ ዝኮንኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ናይዚ ወርሒ ድክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቕርቡ እተክአሉ::
- መክበሪ ጨረታ ብረ 2000.00 ስፒኣ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::
- ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 23/05/2008 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 3/6/2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ማሕበር መናእሳይ ትግራይ ይኽፈት
- ሰነድ ጨረታ ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 14 ፍ/ምም/ር ካብ ካሸር 50 ብር እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትከአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 23/05/2008 ክሳብ ዕለት 03/06/2008 ሽም"ኣድራሻ ፌርማ"ማህተምን ብመግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዘተዓሸገ ፖስታ ናይ ቢሮ ቑፅሪ 14 አታዊ ይግበሩ::
- አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ ንዘሸነፎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ መ/ቤትና ኣምፂኡ ክረክብ ዝከአልን እቲ ንብረት በቲ ዝወፀእ ስፐስፊኬሽን መሰረት ትክከለኛ ምኮኑ ምሰ ተረጋገፀ ኣታዊ ገይሩ ገንዘብ ዝወስድን::
- መክበሪ ዉዕሊ 10% ካብ ዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብCPO ክተሕዝ ዝከአልን ኣብ ዉሽጢ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ዝአስርን::
- ካብቲ ዝፍፀም ግዝኢት 20% ምዉሳኽን ምቕናስን ዝከኣል ምኮኑ
- አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከምዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ
- ልዕሊ 10000 /ዓሰርተሽሕ/ ብር አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል::
- ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን
- መ/ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::