https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11889
ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ንብረታት ማለት እዉን ፣ ኮምፒተር ኮር ኣይ ሰቨን በዝሒ 02 ፣ HP ላፕቶፕ ኮር ኣይ ሰቨን በዝሒ 01 ፣ ታፕሌት ሞባይል በዝሒ 2 ፣ ፎቶ ኮፒ ማሽን በዝሒ 01 ፣ ፕሪንተር በዝሒ 01 ፣ ዩፒኤስ 1500 ቮልት ኣምቢር 1700ዋት 220 ቮልት 50 ሀርዝ በዝሒ5 ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 5, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሰነ 16, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሰነ 16, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ 2012ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መጋቢት 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡሉ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዉሕስና ጨረታ 10% ብመልክዕ ብስፒኦ ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝተወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 04/10/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 308 ክትወስዱ ትክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን መሊኢኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ከተቅርቡ እትክእሉ

5 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 04/10/2012ዓ/ም ጀሚሩ ን 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኮይኑ 16/10/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 404 ይክፈት

6 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ አሲሩ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልታት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ ከረክብ አለዎ

7 እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 41 05 44 /03 44 41 05 46