https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11702
ኢንስትዩት ምርምር ጥዕና ክልል ትግራይ ንኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድቲ ኣቅሑትን ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነዞም ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጉንበት 22, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 8, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:60,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሰነ 8, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/

1 ናይ ዘመኑ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኮፈልኩምን ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዝኮንኩም

3 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ መረዳእታ ከተቅርቡ እትክእሉ

4 መኸበሪ ጨረታ 60,000.00 ቅርሺ ከተትሕዙ እትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ሓዳ ዋናን ቅዳሕን ቴክኒካልን ፋይናንሻል ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ቢሮ ምእታዉ ትክእሉ

6 እቲ ጨረታ 08/10/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ይክፈት

7 ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዝያ ናብ ኢንስትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ኣታዊ ክገብር ዝክእል

8 ሰዓራይ ትካል ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 8ተ መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ዝክእል

9 ሰነድ ጨረታ ካብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ክወስዱ ዝክእሉ

10 እቲ ኢንስትዩት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

03 42 41 42 66/ 03 42 41 37 95 /03 42 41 14 18 /